ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሰሜን

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2011ዓ/ም፣ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ: Tin /ቲን : ኣብ መቕረብቲ ዝተመዝገብሉ ናይ መቅረባይ መረጋገፂ ሕጋዊ ማሕተም አብ ሕድሕድ ፖስታን ጨረታ ሰነድን ገይሩ ዘቕርብ::

2 ናይ ጥሪ 2011ዓ/ም ቫት ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል፣

3 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ት/ፋ/ክ/ከ ሰሜን ዘይመለስ ብር 50.00 በምኽፋል ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ምግዛእ ይካኣል::

4 ናይ ጨረታ መኽበሪ (ሲፒኦ) ናይ ግሪነሪ ግልጋሎት 15001፣ ናይ ባኒ ምቅራብ ግልጋሎት 3000.00 ቅርሺ፣ ከትሕዝ ዝክእል /ትኽእል::

5 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 24/07/2011 ዓ/ም ክሳብ 08/08/2011 ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 09/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 09/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ሰዓት አብቲ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት።

6 ሰዓራይ ምስተነፀረ አብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

8 ኣብ ጨረታ ሰነድ ዝኮነይኩን ፅሑፍ ምፅሐፍ ኣይፍቀድን።

9 ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን በበይኑ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ አለዎ።

10 እዚ ናይ ባኒ ምቅራብ ግልጋሎትን ናይ ሞተር ሳይክል መፀገኒ ግልጋሎትን ካብቲ ዝተመልአ ናይ ሕድሕድ ግልጋሎት ዋጋ ድምር ዝተሓተ ዋጋ ዝተመልአ ዝወስድ ምዃኑ፤

ኣድራሻና- ንተወሳኪ ሐበሬታ ኣድራሻና 05 ዒላላ 1 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሕልፍ ኢልካ ወይ ድማ ካብ ደምቦስኮ ንምዕራብ ምፅእ ኢልካ እንትከዉን መከለኪያ ዝነበሮዎ ፎቅ G+1 ቁፅሪ 11 ንርከብ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ 0344-417910 ደዉልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::

11 ናይ ጨረታ መዕፀውን መክፈትን በዓል እንተውዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዐዓልቲ ይከውን፡፡