ማሕበር መናእስይ ትግራይ

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ ዘመኑ ዝሐደስኩምን ዘይምለስ ፎቶኮፒን ዘቕርብ::
  2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
  3. ዝተሐደሰ መቕረብነት መለለይ ካርድ ዘለዎን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
  4. ናይ መኪና ጎማ ተወዳደርቲ ዝኮንኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ናይዚ ወርሒ ድክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቕርቡ እተክአሉ::
  5. መክበሪ ጨረታ ብረ 2000.00 ስፒኣ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል::
  6. ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 18/01/2008 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/01/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ማሕበር መናእሳይ ትግራይ ይኽፈት
  7. ሰነድ ጨረታ ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 14 ፍ/ን/ምም/ዳርን ብር 50 እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትከአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት18/01/2008 ክሳብ ዕለት 28/01/2008  ሽም"ኣድራሻ  ፌርማ"ማህተምን ብመግባር ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዘተዓሸገ ፖስታ ናይ ቢሮ ቑፅሪ 14 አታዊ ይግበሩ::
  8. አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ ንዘሸነፎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ መ/ቤትና ኣምፂኡ ክረክብ ዝከአልን እቲ ንብረት በቲ ዝወፀእ ስፐስፊኬሽን መሰረት ትክከለኛ ምኮኑ ምሰ ተረጋገፀ ኣታዊ ገይሩ ገንዘብ ዝወስድን::
  9. መክበሪ ዉዕሊ 10% ካብ ዘሸነፎ ዓይነትንበረት ብ CPO ክተሕዝ ዝከአልን ኣብ ዉሽጢ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ዝአስርን::
  10. ካብቲ ዝፍፀም ግዝኢት 20% ምዉሳኽ ንምቕናስን ዝከኣል ምኮኑ::
  11. ልዕሊ 10000 /ዓሰርተሽሕ/ ብር አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝሆልዲንግ ዝኸፍል::
  12. መኽበሪ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 2ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን::
  13. ዉዕሊ መክበሪ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይኸዉን::
  14. መ/ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::