መቐለ 70 እንደርታ ስፖርት ክለብ

1 ሕጋዊ ናይ 2011ዓ/ም ናይ መ/ቲ ግብሪ ዘከፈለን ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ፤

2 ንጅምላ መምፃእቲ ብናይ ፕሮሞሽን ስራሕቲ ፕሮፖዛል ዘለኩም ትካላትን ውልቀ ሰባትን ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ጥሪ ወረሒ 2011ዓ/ም ቫት ዲክላራስዩን ክተቅርቡ ትክእሉ፡፡ መምረቲ ንግዲ ፍቃድ ወይከዓ ናይ ደኣንት ሰርቲፊኬት ዘለኩም፤

3 ትካልኩም ምስ ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ብሓባር ንምስራሕ ዝክእል ፕሮፖዛል ዘለኩም፣ ዝርዝር አፈፃፅማ ፕሮፖዛልኩም ዝርዝር ትሰርሕዎ ዓይነትን ስራሕን ብግልፂ ብምቅማጥ፣ ናይቲ እትሰርሕዎ ስራሕ ብምስሊ ከቅረብ ዝክእል ከምኡውን ንስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ኮነ ንትካልኩም ዝህሉ ብፅሒት ተጠቃምነት በምቅማጥ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ኣብ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ብመቅረበይነት ዝተመዝገብኩም መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉን፤

5 እቲ ዝቀረበ ፕሮፖዘዛል ኣቅሓ ንምቅራብ እንተኮይኑ ዝርዝር ኣሰራርሕኡን ናይ ጨረታ መከበሪ ብባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ወይ 2 ሚኢታዊ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 እቲ ፕሮፖዛል ኣታዊ ዝኮነሉ ኣብ ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ይከውን፡፡

7 እቲ ናይ እትሰርሕዎ ስራሕን ኣሰራርሓን ስራሐኩም ዝገልፅ ካብ ዕለት 09/07/2011ዓ/ም ክሳብ 21/07/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ በፖስታ ዓሸጊኩም ናብ ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ኣታዊ ንክትገብሩ፡፡

8 እቲ ዘኣተወ ፕሮፖዛልኩም ዝርዝር ኣፈፃፅምኡ ዝምልከት ፕሮፖዛል ዘእተኩምን ትካላትን ውልቀ ሰባትን ንዝምልከቶ ስረሕ ፈፃሚ/ቦርድ/ ናይ ስፖርት ክለብ መቐለ 70 እንደርታ ዕለት 22/07/2011ዓ/ም ብፓወር ፓይንት ፐረዘንቴሽን የቅርብ፡፡

9 ተወዳደርቲ ትካላትን ውልቀ ሰባትን እቲ ዘእተወዎ ፕሮፖዛል እንድሕር ኣሸኒፎም ብናይ ባዕሎም ገንዘብ እቲ ስራሕ ይሰርሕዎ፡፡

10 ሰዓሪ ትካል ሰዓሪ ምካኑ ምስ ተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእልን እቲ ዘሸነፎ በቲ ኣብ ፕሮፖዛሉ ዘቀመጦ ግዜ ሰሌዳ ከስርሕን ዝክእልን፡፡

11 ተጫረትቲ በቲ ዘፈር ስራሕ ልምዲ ዘለኩም ምካንኩም መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

12 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ስፖርት ክብ መቐለ 70 እንደርታ ቤት ፅሐፈት ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል፡፡