ትራንስ ኢትዮጽያ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ተጫራታይ ምስቲ ዝወፀ ጨረታ ዝዛመድን ናይ 2007 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን ናይ ዋንነት ሊብሬ ክሕልዉ ይግባእ

2 ዝርዝር ናይቲ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤ/ፅሕፈት መምርሒ ዕደጋን ቀረብ ንብረት ቁፅፅርን ምዉሳድ ይከኣል

3 ተወዳደርቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይቲ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% ብሽም ትራንስ ኢትዩጰያ ሓ.ዝ.ዉ.ማ ናይ ጨረታ ዉሕስና ብሲፒኦ ከትሕዙ ይግባእ

4 ኣብ መዓልቲ ድማ 2 ጊዜ ምልልስ አለዎ: መጠን ትሕዝቶ ታንከር ካብ 16 ሜትር ኩብ ንላዕሊ እንትከዉን ነዳዲን ካልኦት ዘድልዩ ወፃኢን ሙሉእ ብሙሉእ ተጫራታይ ከምዝሸፍኖም ክፈልጥ አለዎ

5 ተጫራትቲ መኪና ምስ ቦጣ ወይ ድማ መኪና ጥራሕ ብምቅራብ ክወዳደሩ ይኽእሉ

6 እቲ ዘቅርቡዎ ዋጋ ብመዓልቲ ብሊዝ ክኸዉን አለዎ ዝፀንሐሉ ግዜ እንተነአሰ ንሐደ ወይ ድማ ንክልተ ወርሒ ከምዝኮነ

7 ናይቲ ጨረታ ካብ ዕለት 10/01 /2008 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ መምርሒ ዕደጋን ቀረብ ንብረት ቁፅፅርን ወይ ድማ ካብ ሚለ ኦፕሬሽን አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

8 እቲ ጨረታ መስከረም 21/01/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉዎ አብ መምርሒ ዕዳጋን ቀረብ ንብረት ቁፅፅር ከምኡዉን አብ ሚሊ ኦፕሬሽን ዩኒት አብ ሐደ ሰዓት ይክፈት

9 ተጫራታይ አሸናፊ ሙዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምዕሳር ክጅምር አለዎ

10 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ  0344416439 /0344408205 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ