ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ኣላማጣ

1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝክእል

2 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መቅረባይነት መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ብመደበኛ በጀት ንግዚኡ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ፋርጎ ማሽን፣ፅሬት፣መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ፈርኒቸር ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋብን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወረቀት ምስክር ዘለዎም፣ብአተዊ ቤት ማዘጋጃ ንግዚኡ ቶታል ስቴሽን ኣቅሓ ኤሌክትሪክን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋብን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወረቀት ምስክር ዘለዎም፣ ኤጂዲፒ ባጀት ንግዚኡ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋብን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወረቀት ምስክር ዘለዎም፣

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግበሪ ዘለኩም

4 ናይ ወርሒ ጥሪ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራርድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 50.00 ቅርሺ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ምግዛእ ይከኣል፤

6 ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ኣቅሑት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣታዊ ዝገብር

7 እቲ ጨረታ ካብ 10/07/2011ዓ/ም ክሳብ 25/07/2011ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ

8 እቲ ጨረታ 25/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4:00 ይክፈት፡፡

9 ቤት ዕዩና ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 መከበሪ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ፋርጎ ማሽን ንሕድሕዶም 7000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ኣቅሓ ፅሬት፣መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ፈርኒቸር፣ሕትመት፣ ዕጥቂ ስፖርትን መሳርሒ ሙዚቃን ንሕድሕዶም 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

11 ብአተዊ ቤት ማዘጋጃ ቶታል ስቴሽን ኣቅሓ ኤሌክትሪክን ንሕድሕዶም 15000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

12 ብባጀት ኤጂዲፒ መሳርሐ ፅሕፈትን ኤሌክትሮኒክን ንሕድሕዶም 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

13 ሰነድ ጨረታ ቅዳሕን ዋናን ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ሓደ ዋናን ቅዳሕን ዝብል መፍለይ ብፅሑፍ ብምግባር ክሳብ 25/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእቲ ዝክእል፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0347-740003/0974-580453/0914169925 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል፤