ቤት ፅሕፈት ክፈለ ከተማ ዓዳ ሐቂ ትልምን ፋይናንስን

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ቲን /TIN NO/ ኣብ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ቫት ድክሌር ዝገበርሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

2 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ ጨረታ መክብሪ 20000.00 ቅርሺ ብ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ዝተኣሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝክእሉ ፤

5 ኣብ ናይ ግሪነሪ /ሓምለዋይ ልምዓት/ ስራሕቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልነ መረዳእታ ነንበይኑ ኣብ ዝተኣሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

6 ኣብ 2009/2010 ዓ/ም በዚ ስራሕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝኮነ ክ/ከተማ ብደብዳቤ ዘተኣገደ ኣብዚ ጨረታ እዙይ ኣይሳተፍን፤

7 ተጫረቲ ተወዳዲሮም እንተኣሸኒፎም ኣብ 3ተ መዓልቲ ዉሽጢ ዉዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ፤

8 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብቲ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን 2ይ ደብሪ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይከኣል።

9 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 03/07/2011ዓ/ም ሰዓት ክሳብ ዕለት 18/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0344-403728 /403772 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።