ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዝተሓደሰ መቅረባየነት  ወይንድማ ሰርትፍኬት

2 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን  ናይ ተወሳኪ  ስቴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ይግባእ

3 ንኣገልግሎት ካፍረቴርያ ጥራሕ ቲኦቲ ዝተመዝገቡ ደኣንት ኮይኖም  መቅረባየነት ተወሳኪ ስቴት ታክስ ክህልዎም  ኣይግደድን

4 ብመሰረት እዚ ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብ ቤት  ፅሕፈትና ንኡስ ከይዲ  ስራሕ ዕደጋ ቀዳማየ ደብሪ ቁፅሪ  ክፍሊ 034 ካብ  10 መስከረም  ክሳብ 2 ጥቅምቲ   50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

5 ንኣገልግሎት ካፍቴርያ ደኣንት ሰነድ ጨረታ ብነፃ ይወስዱ

6 መክበሪ ጨረታ ንፅገና ኣቅሑት ኤለክትሮኒክስ ፣ቀለም ምምላእን ን፣ካፍቴራን ንነፍስ ወከፍ ዓየነት ጨረታ 3000 ቅርሺ

ንመሳርሒ ህንፃ ፣ኣዉሑት ኤለክትሮኒክስ፣ ስራሕቲ ሕትመትን ንነፍስወከፍ  5000 ቅርሺ ተቀባልነት ዘለዎ ናየ ባንኪ ዉሕስና ወይንድማ ሲፒኦ ወየንድማ ብጥረገንዘብ  ከትሕዙ ዝክእሉ

ኣገልግሎት ካፍቴርያ ብደቀቅትን ኣናእሽተየን ብዉልቀ ወይንድማ  ብዉዳበ ኣፍልጦ ዘለዎም  ምካኑ ናይ ደኣንት  ሰርትፍኬት  ከቅርቡ ዝክእሉ

7 ሰነድ  ጨረታ  ዝዕፀወሉ  2 ጥቅምቲ 2008ዓ ም ሰዓት 8 ፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ  ተዓፅዩ  2 ጥቅምቲ  2008 ዓ ም ሰዓት 9፡ 00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ  ወይንድማ  ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

8 ተጫረቲ ብዘይምርካቦም  ከይዲ እቲ ጨረታ ኣየተኣጋጎልን

9 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ሓደ  ዋንኡ ሓደ ድማ  ቅዳሕ  ብዝተዓሸገ ፖስታ  ከቅርቡ ዝክእሉ

10 ቤት ፅሕፈትነና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

            ኣድራሻ ህንፃ ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ድሕሪ ቤተክርስትያን  ዳማርያም

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0348990089  /0344406839 /0344408501   ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

መዕፀዉን መክፈትን ጨረታ በዓል እንተኮይኑ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከዉን።