ስሑል ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሽረ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም፤

3 ዝተሐደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎምን ናይ ወርሒ ጥሪ 2011ዓ/ም ሒሰብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 መረዳእታ መረጋገፂ ብቅዓት ንፁርን ተነባብን ከቅርብ ዝክእል

5 ኣብ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን ከምእዉን ኣብ ሰነድ ጨረታ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና ወይድማ ተጫራቲ ክህልዎ አለዎ። ካብቲ ዝተቀመጡ ዝርዝር መረዳእታ ወፃኢ ክተቅርብ ምፍታን ኣብዘይ ዘፈር ንግድኻን ምውድዳርን ካልኦት ጨረታ ዘዛብዕ ፈተነ ምፍታን ዘይፍቀድ ምዃኑ ዝርዝር መረዳእታ ከይተለወጠ እዚ ትካል ብዘውፀኦ መሰረት ዘቅርብ፤

6 ንመክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ 5000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ሆስፒታል ሱሑል ክፍሊ ቁፅሪ 34 ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ር ንብረትን ምዉሳድ ይከኣል::

8 ጨረታ ዝፀንሓሉ እዋን 22/06/2011 ዓ/ም ክሳብ 06/07/2011 ዓ/ም 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክ/ቁፅሪ 34 ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ር ንብረትን ምእታው ይከኣል። ብተመሳሳሊ ዕለትን ብተመሳሳሊ ሰዓትን ድማ ይዕሸግ።

9 ጨረታ ዝኸፈተሉ ቦታ ኣብ ሆስፒታል ስሑል መአከቢ ኣዳራሽ ኣብቲ ዕለት ማለት 06/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቀተሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ ጨረታ ዝክፈተሉ ግዘ ጀሚሩ ን60 ተከታታልቲ መዓልቲታት ይከዉን::

11 ሰዓራይ ምስ ተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ብቲ ዝወፀ ዝርዝር መረዳእታ መሰረት ናብ ሆስፒታል ስሑል ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ናብ ስቶር ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ከረክብ አለዎ።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0344-442566 ወይ 0910-372653/ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::