ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ መኾኒ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ናይ 2011 ዓ/መ ግብሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ዘቅርቡ፤

2 መለለ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎም፤

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 ከምኡውን ናይ ኣቅሑ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ፣ ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ፤ ኩሎም መረዳእታታት ዋናን ቅዳሕን ነንበይኖም ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ተጫራታይ ሽም ኣድራሻን ማህተምን ብምቅማጥ ኣብ ልዕሊኡውን ዋናን ቅዳሕን ዝብል ፅሑፍ ክዓርፎ ኣለዎ፤

5 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም፤

6 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ክወስዱ ዝክእሉ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ካብ 25/06/2011ዓ/ም ክሳብ 12/07/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ 15 መዓልትታት ኩሉግዜ ኣብ ናይ ስረሕ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ መኾኒ ቢሮ ቁፅሪ 07 ምሻጥ ሰነድ ጨረታ ዝቋረፀሉ 12/07/2011ዓ/ም ኮይኑ 13/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት፤ እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ምምላእ ኣይክእሉን፤

7 ሰዓራይ ጨረታ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልትታት ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፤

8 መከበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ 10 ሚኢታዊ ኣብ ዕደጋ ፈፃሚ ትካል ከትሕዝ ኣለዎም፤

9 ዝተሓተቶ ውዕሊ መከበሪ ኣብ 3ተ መዓልቲ ብዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ዝተትሓዘ መከበሪ ጨረታ ይውረስ፤

10 ሰዓራይ ጨረታ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ከቅርብ ኣለዎ፤

11  እቲ ቤት ዕዮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0346-640002 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤