ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ስራሕ ዘለኩም፣ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘቅርብን፣ መረዳእታ ምዝገባ ኣማከርትን ዘለዎም ፤መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝሓዘን፣ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን ፤

2 መከበሪ ጨረታ ብቤሄራዊ ባንኪ ኢትዮጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይትመስረተ ውሕስና ባንኪ ወይ መኣዘዚ ክፍሊት ሲፒኦ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል፤

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 500.00 ቅርሺ ንምክፋል ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 191 ምውሳድ ይከኣል፤

4 ተጫራቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ቴክነካልን ፋይናንሻልን ነንበይኑ ሰነድ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ሰነዳት ናይ ኣማከርቲ ስራሕ ዝተውሃበ ምዝገባ ካርዲ፣ ፍቃድ ንግዲ ስራሕ፣መረዳእታ ምዝገባ ንግዲ ፣መረዳእታ መቅረባይነት ፣መረዳእታ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ፣ ከምኡውን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ መከበሪ ጨረታን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝርኣ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 191 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል ፤

5 ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 18/07/2011ዓ/ም ንግሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 191 ይክፈት፤

6 እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

7 ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 191 ብኣካል ብምቅራብ ወይ ብስ.ቁፅሪ 0344-408775 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤