ማሕበር መናእስይ ትግራይ

1 ሕጋዊ ናይ ምምካር ፍቃድ ዘለኩምን ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምስ ዘይምለስ ፎቶኮፒን ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ናምበር ዘለዎን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል፤

3 ብሞያ ኣግሪካልቸራል ፣ ኢኮኖሚክስ ኣግሪካልቸራል ኤክስቴንሺን ፣ ሩራል ዴቬሎፕመንት፣ ዴቬሎፕመንት ስቴዲይሲ፣ ኢንቫይሮመንታል ማናጅመንት ኤምኤስ፣ ኤምኤ፣ ቢሴሲ ወይ ብኤ ዲግሪ ዘለዎን ናይ ምምካር ልምዲ ዘለዎን፤

4 መክበሪ ጨረታ ብር 10000.00 ብሲፒኦ ሕጋውነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ኣብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምስቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል፤

5 ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 13/06/2011ዓ/ም ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ባዕሎም /ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ኣብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣዳራሽ ቢሮ ቁፅሪ 11 ይክፈት፤

6 ሰነድ ጨረታን ዝርዝር ኣፋፃፅማ እቲ ገምጋምን ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 12 ፋ/ምም/ር ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ/ ብር እናከፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ከምትክእሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 13/06/2011ዓ/ም ክሳብ ዕለት 27/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ሽም ኣድራሻ፣ ፊርማ፣ ማህተምን ብምግባር ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝትዓሸገ ፖስታ ኣታዊ ምግባር ይከኣል፤

7 ኣብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ኣማካሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝከውን ንጨረታ መከበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ካዝና ኣታዊ ኮይኑ ብሕጊ ተሓታቲ ምካኑ ክፈልጥ ኣለዎ፤

8 ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

9 እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 30 መዓቲ ኣጠናቂቁ ኣታዊ ምግባር ዝክእል፤

10 ኣሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2 ሚኢታዊ ዊዝ ሆልዲንግ ዝከፍልን ናይ ቫት ድማ ብመምርሒ መሰረት ተፈፃሚ ይከውን፤

11 ውዕሊ መከበሪ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይከውን፤

12 ናይ ትራንስፖርት ኣቅርቦት ብማሕበርና ዝሽፈን ይከውን፤

13 መ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንትረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ኣድራሻ ኣብ ቀበሌ 03 ቀበሌ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-409730 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤