ማሕበር ባህሊ ትግራይ

1 ተወዳደረቲ ትካላት ቅድሚ ሐዚ ዝሰርሑዎም ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ዝምልከት መረዳአታ ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ እንተክኢሎም ዕድሎም ዝሰፍሐ ይከውን፤

2 ንዝትፈላለያ ትካላት ስፖንሰር ብምሕታት ዕውት ስራሕቲ ክሰርሕ ብቅዓት ዘለዎ፤

3 እቲ ኣለሻ ስፖንሰርሺፕ ንማሕበር ባህሊ ትግራይ ኣይምልከትን፤

4 ፕሮሞተራት /ተጫረቲ/ ሕጋውያን ን2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃዶምን ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ቲን ናምበር ፎቶኮፒ ኣተሓሒዞም የቅርቡ፤

5 ካብ ቤት ፅሕፈትና ናይ ቴክኒክ ፋይናንሳዊ መግለፅን ዝሓዘ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 20.00 ብምክፋል ክትወስዱ ትክእሉ፤

6 ነቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ማሕተምን ፊርማን ተመሊኡ ዕለት 28/05/2011ዓ/ም ክሳብ 07/06/2011 ሰዓት 11:00 ጥራሕ ኣብ ናይ ፅሕፈትና ጨረታ ሳንዱቅ የእትው፤

7 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 08/05/2011 ሰዓት 3:00 ይከውን

8 ተጫረትቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ብር 5000.00 ሽሕ ብር ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከቅርቡ ይግባእ፤ ሰዓሪ ምስተፈለጠ ንዘይሰዓሩ ዘትሓዝዎ ሲፒኦ ይምለሰሎም፤

9 ሰዓሪ ምስትፈለጠ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ቀሪቡ ውዕሊ ስራሕ ብምእሳር ሰራሕ ክጅምር ኣለዎ፤

10 ቤት ፅሕፈተና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-407308/0914-700638 ምድዋል ይከኣል፤