ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ማይጨዉ

ተጫረቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቋሕታት

1 በቲ ዘፈር ንግዲ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን፣ ቲን ናምበርን ከቕርብ ዝኽእል

2 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎ

3 ናይ ወርሒ ታሕሳስ ቫት ዲክሌር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

4 ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ቫት ተመዝጋባይ ሰርቲፊኬት ከቅርብ ዝኽእል፤

5 መጠን መኸበሪ ጨረታ ብር 4000.00 ብሲፒኦ ወይ ብጠረ ገንዘብ በባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 ብምክፋል ካብ ዕለት 28/05/2011 ዓ/ም ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ከሳብ ዕለት 13/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ/ ምም/ር /ንብረትን ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዝተውሃቦ ሰነድ ጨረታ ኦርጂናል ምስ ስፔስፊኬሽን በዘይ ምንም ምጉዳል ማህተምን ፊርማን ብምዕራፍ ኣብ ሓደ ፖስታ፣ ናይ ዋጋ ዝተመልኣሉ ሰነድ ኮፒን ኣብ ካልእ ፖስታ ከእትው ኣለዎም።

7 እቲ ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 13/06/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይኽፈት።

8 ተጫረቲ በዘይ ምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን።

9 ቤት ፅሕፈተና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ገዜ 45 መዓልቲ ይኸውን።

11 ቤት ፅሕፈትና 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12 ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናነስ ስቶር ከምፅእ ዝኽእል፤

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-770196/0252/1234 ምሕታት ይከኣል።