ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ: መቅረባይነት ሰርተፊኬት :ቲን ናምበር :ቫት ሰርተፈኬት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን፤

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ 10,000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ብሽም ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::ፍቃድ ንግዲ ናይ መቅረባይነት ቃለ መሓላ ወረቀት ምስክር ሲፒኦን ካልኦት ዘድሊ ሰነድ ከተሓሕዙ ኣለዎም፤

4 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50.00 ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ

5 ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ፋይናንሻል ቴክኒካል ንሕድሕድ ኣብ ፖስታ ተዓሺጉ ከቀርብ ዘለዎ እንትኮን ብተወሳኪ ፋናንሻል ቴክኒካል ኮፒ ንሕድሕድ ኣብ ፖስታ ታዓሺጉ ክቀርብን ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-402801 ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 23/05/2011 ዓ/ም እስካብ 12/06/2011 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት12/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተይዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

8 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-402801 ፋክስ 0342-407026 ምድዋል ይከኣል።