ትግራይ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም በቢወርሑ ናይ ግብሪ ዝከፈልኩምሉ መረዳእታ /ታሕሳስ /ወርሒ 2011ዓ/ም ዲክለር ከቅርብ ዝክእል፤

3 ቲን ናምበር ዘለዎ፤

4 ዝተሓደሰ ናይ 2011ዓ/ም መቀርባይነት ካርዲ ዘለዎ፤

5 ተጫረቲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሎም ጨረታ መከበሪ  ንህንፃ መሳርሒን ኮምፒተርን ተዛመድትን 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኤሌክትሪክን ጨርቃ ጨርቅን ኣቅሑት 2000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንፅሕፈት መሳርሒ 3000.00 ሽሕ      ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

6 ኣብቲ ዝተዓደለ ሰነድ ንፁር ዋጋ ተመሊኡ ብዝተኣሸገ ፖስታ ኦርጂናል ፖሊን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ካብ ዕለት 22/05/2011ዓ/ም ክሳብ 12/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ምእታው ይክእሉ፤

7 ዘሸነፍዎ ንብረት ብውዕሊ መሰረት ብናይ ባዕሎ መጓዓዓዚ እቲ ኮሌጅ ናብ ዘለዎ ከቅርቡ ኣለዎም፤

8 ተጫረቲ ኣብቲ ዝምላእ ሰነድ ጨረታ ንፁር ኣድራሻኦምን ክታምን ከማልኡ ኣለዎም፤

9 ንቁፅሪ 1-2-3-4-5 ሰነድ ጨረታ ንምውሳድ ዝከፍል ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 /ሳላሳ/ብር ብምክፋል ኣብ ላጪ ዝርከብ ሓዱሽ መመነሃርያ ዝርከብ ትግራይ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ቀዳማይ ደብሪ ምውሳድ ይክእሉ እዮም፤

10 እቲ ጨረታ ካብዕለት 22/05/2011ዓ/ም ክሳብ 12/06/2011ዓ/ም ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ዝካኣል ኮይኑ እቲ ጨረታ ሰዓት 4:00 ቅ.ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ትግራይ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፤

11 ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዝገበረ ተቀባልነት የብሉን፤

12 ትግራይ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪኑ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

13 ሰዓራይ ኮይኑ ውዕሊ ምስ ኣሰረ ብዝ/ዩ ምክንያት ንብረት ኣታዊ ኣይገብርን እንተይሉ ነቲ ኮሌጅ ምጉልእላእ ስለዝፈጠረሉ ብመምርሒ ዕደጋ መሰረት ብሕጊ ዝሕተት ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-047956/0914-756315 ምድዋል ይከኣል፤