ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግስተ ሳባ ዓድዋ

1 ዝተሓደሰ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ ዝኸፈለን መለለይ ቁፅሪ ቲን ዘለዎ፣

2 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ካብ 16/05/2011 ዓ/ም ጀሚርኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግሰተ ሳባ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕቀባ ፋይናንስን ምምሕዳርን ቁፅሪ 6 ዘይምለስ 50( ሓምሳ ቕርሺ) እናኸፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይከኣል።

3 ተጫረቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ዝሓለፈ ነሓሰ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅረቡ ዝኽእሉ፣

4 ንመኸበሪ ቢድ ቦንድ ንኩሎም ማለት መሳርሒ ህንፃ፣ናይ ኤሌክትሪክ ናውቲ ፣መሰርሒ ፅሕፈት፣ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን፣5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒአ ከቅርቡ ኣለወም።

5 ካብ ቤተ ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ዝተውሃበ ናይ መቅርባይነት ምስክር ወረቐት ዝተሓደሰ ኾይኑ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሩ ብናይ ባዕሎም መጓዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግስተ ሳባ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ሰነድ ጨረታ ክሳብ 01/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ እተእትውሉ ኾይኑ ጨረታ ዝዕፀየሉ 01/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ዓ/ም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ጨረታ ይኽፍት።

7 ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 60 መዓልቲታት ዘይበልፅ ይኸውን።

8 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-710060/0914-211837/0914-788359/0921-616187 ምሕታት ይከአል።