ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኦርጅናልን ሓደኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ  TIN ሰርተፊኬት ኦርጅናልን ሓደኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::

3  ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ  VAT  ምዝገባ ሰርቲፊኬት ንናይ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም   VAT ድክላሬሽን ኦርጅናልን ሓደኮፒ ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስኽር ወረቐት ኦርጅናልን ሓደኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ንዘለዉ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100. 00 /ሓደ ሚኢቲ ብርጥራሕ/ እናኸፈለ ካብ ቢሮ ትልም ንፋይናንስ ንከይዲ ንብረት ምም/ ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ምዉሳድ ይከኣል::

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ጨረታ ብር 5000. 00/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን  / Bureau of plan & finance / ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይድማ ብጥረገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9  እቲ ጨረታ ዕለት 24/05/201 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30  ድሕሪ ሰዓት ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ር ንቢሮ ቑፅሪ 2-19   ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ/ ክዉስክ ይክእል እዩ::

12  ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

13  ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 03444105291  / 0344406200/01-09 ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምኻኑ ንሕብር::