ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወርኢ ለኸ

  • ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት
  • ናይ ፅሬት መሳርሒ ኣቑሑት
  • ናይ ፈርኒቸርስ ኣቑሑት
  • ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት ከምኡዉን
  • ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑትን
  • ናይ ተሽከርከርቲ  መለዋወጢ ኣቑሑትን

ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ክትጫረቱ እትድሊዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበኦም ረቋሕታት ወይ መምርሒ ተጫረቲ

1 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈሉን ናይ 2007 ዓ/ም ፍቓድ ንግዶም በቢ ዘርፉ ዘቕርቡን ዘሐደሱን ክኾኑ አለዎም

2 ተጫረቲ ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገቡን ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ከቅርቡ ዝኽእሉ

3 ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ /TIN/ ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን በቢወርሑ ናይ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ቫት ዲክለር ዝገበሩ ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪኦም ብጥረ ገነዘብ 5000 ብር ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዙ ዝኽእሉ

6 ጨረታ ዘሸነፉ ተጫረቲ ዉዕል ንክኣስሩ ምስተኣወጀ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም

7 ሰዓርቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም መጎዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ኣታዊ ክገብሩ ዝኽእሉ

8 ዝተዳወ ሰነድ ጨረታ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ካብ ዕለት 26/12/2007 ጀሚሮም ክሳብ 05/01/2008 ዓም ካብ ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወወለኸ ክፍሊ ቁፅሪ 03  ዘይመለስ 30 ብር ብምኽፋል ምዉሳድ ይኽእሉ

9 ጨረታ ዕለት 05/ 01/ 2008 ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ዕለት 05/01/2008 ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወ/ወ/ለኸ ክፍሊ ቁፅሪ 03 ዝኸፈት ይኸዉን

10 ጨረታ ምስተኸፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን20 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ ማዓልታት ጥራሕ እዩ

11 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ኣቕሓ መጠን ክሳብ 20% ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይኽእል

12 ፅሬት ኣቕሑት ዝምልከት ኣቐዲሙ ዝተነፀረ ብሳምፕል ወይ ኦርጅናል ኣቐሓ ብባዓል ሞያን ብኮሚቴን ብምርግጋፅ ቅቡል ዝግበር ይኸዉን

13 ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ  እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 03 43 46 02 82 ወይ 03 43 46 00 88 ደዊልኩም  ምሕታት ትኽ