ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣክሱም

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ኣግባብነት ዘለዎ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብ፤

2 ናይ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርድ ዘቅርብ፤

3 ወረቀት መለለይ ምስክር ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ፤

4 ናይ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዘቅርብ ተጫረቲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈለኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስ ንብረት ምምሕደርን ከተማ ኣክሱም ክፍሊ ቁፅሪ 15 ምዉሳድ ይክእሉ።

5 ኣብ ዝቀረበ ሰነድ ጨረታ ናይ ባዕልካ ረቋሒ ስፔስፌኪሽን ምዉሳክ ይኩን ምቅናስ ምስራዝ ኣይፍቃድን።

6 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምዃንም ካብ ዝተገለፀሎም ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ አለዎም።

7 መከበሪ ጨረታ 10000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ሰዓርቲ መከበሪ ዉዕሊ 10 % ከትሕዙ አለዎም።

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ንብረት ክፍሊ አታዊ ይገብሩ።

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ምስ በጀት ብምጥዕዓም ውዕሊ እንትኣሰር 20 % ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰለ አለዎ።

11 ጨረታ ካብ ዝወፀኣሉ ካብ 19/04/2011ዓ/ም ክሳብ 03/05/2011ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኾይኑ 03/05/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንጉሆ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት።

12 ኣብ ዝቀርበ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ናይ ሽም ትካልም ማህተምን ፊርማን ኣድራሻን ክቀርብ ይግባእ።

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

 ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347-753006 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል