ሆስፒታል መቐለ

1 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ : ቲን ቁፅሪ መረጋገፂ ዘቅርብ  :ኣብ ሐዱሽ መቅረብቲ ዝርዝርን ዝተመዝገቡን ምካኑ ቫት ተመዝገበቲ ምካኖም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ ፤

2 ደቐቕትን ኣናእሽተይን ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳአታ ክተቅርቡ እትኽእሉ፤

3 መክበሪ ጨረታ ብር 10000.00 ሽሕ ብር ብጥረ ገንዝብ ወይም ብባንኪ ዝረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ዝሰዓረ ተጫረቲ ንዘቅርብዎም ኣቅሑት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ኣብ ሆስፒታል መቀለ የረክብ።

5 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መዐሸጊ ፖስታን ሽሞም ፊርማን ናይ ትካሎም ማሀተምን ከዕርፍ ይግባእ።

6 ዋጋ ጨረታ ሰነድ ብር 35. ብር እዩ።

6 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 17/04/2011 ጀሚሩ ክሳብ 02/05/2011ዓ/ም ንተከታተለቲ 15 መዓልትታት ሰነድ ጨረታ ካብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን /ፋይናንስ ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 62 እንዳገዛእኵም ምዉሳድ ይክእል።

7 ሰነድ ጨረታ ዝምላእ ዋጋ ኣብ ናይ ትካልና ዘዳለዎ ዝርዝር ዝሐዘ ሰነድ ጥራሕ ክከዉን አለዎ ካብዚ ወፃኢ ተቀባለነት የብሉን።

8 እዚ ጨረታ ዕለት 02/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ሰብ ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት።

9 ዝቀርብ ሰነድ ጨረታ ዝተማልአ ኮይኑ እንተተረኪቡ በዓል ዋና ብዘየብሉ ክከፈት ይክእል።

10 ሆስፒታል መቀለ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-400246 ምድዋል ይከኣል።