ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 613 (200.00) ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይኽእሉ፤
2 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገበሉ ናይ ቫት ሰርቲፊኬትን ፣ ቲን ቁፅሪ ፣ ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም መረጋገፂ ክተቅርቡ ይግባእ።
3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% (ክልተ ካብ ሚኢቲ) ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ ሕጋውነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለኩም።
4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተኣሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ማለት 17/04/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 02/05/2011 ዓ/ም እዩ። ዝዕፀወሉ ሰዓት ድማ ሓሙሽተ 5:00 ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረትኦም ከቅርቡ ይኽእሉ።
5 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 02/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኣብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት። ከምኡውን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንክፈት ምዃና ንሕብር።
6 እቲ ዝተውሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን። እቲ ዝመላእኩዎም ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ።
7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለትን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ። ከምኡ ድማ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።
8 ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification) እቲ መአዘዚ ሰነድ ድማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።
9 እቲ ድርጅት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-406300/406640 ምድዋል ይከኣል።