ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ጣንቋ አበርገለ

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ ቲን ናምበር ፣ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ፣ቫት ተመዝገብቲ ንዝኾኑ ብመምርሒ መሰረት ቫት ዲክላሬሽን ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

2 ናይ ሕድሕድ ዶክሜንት ኦርጂናልን ኮፒን ብዝተፈላለዩ ፖስታታት ተዓሺጉ ከቅርብ ዝኸእል፤

3 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልከታ ካብ ዝተቃልሐሉ ዕለት 16/04/2011 ዓ/ም ንተኸታታሊ 15 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ንሕድሕድ ዶክሜንት ዘይምለስ 50.00 ( ሓምሳ ቅርሺ) ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈትና ዕለት 01/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም ወ/ጣ/ኣበርገለ ቢሮ ቁፅሪ 8 ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኸእሉ፤ ድሕሪ ምዕፃው ጨረታ ሳንዱቅ ዝመፅአ ዝኮነ ይዅን ጨረታ ሰነድ ተቀባልነት የብሉን።

4 እቲ ጨረታ ንምስታፍ ንዝኾነ ሕጋዊ ነጋዳይ ክፉት ኮይኑ ኣብቲ ጨረታ ብቋንቋ ትግርኛ መሊኡ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 መኸበሪ ጨረታ ፅሕፈት መሳርሒ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ደንቢ ክዳን 2000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ኤሌክትሮኒክስ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ

6 ቤት ፅ/ትና ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

 ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344-220126/0069 ወይ ብኣካል ምሕታት ይከኣል።