ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ርክብን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታከስ /VAT/ ዝተመዝገቡ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርተፊኬት ናይ ጥቅምቲ-ሕዳር 2011 ዓ/ም ቫት ድክለሬሽን ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዘይሃሰሰ ሐደ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ብውዕሊ መሰረት ከቅርብ ዝክእል፤

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ ብር 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ጥራሕ እናከፈሉ ካብ ናይ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 2-20 ካብ ዕለት 08/04/2011 ዓ/ም ክሳብ 26/04/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚእኩም ክትወዳደሩ ትክእሉ፤

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ሰነድ ጨረታ  ብር 5000.00 ብሸም ኤጀንስና ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሐበሬታን ርክብን ክልል ትግራይ / Information Communication Technology Agency / CPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ኤጀንስና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል

9 ተጫረቲ እቲ ኣንቲ ቫይረስ በቲ ዝተዳለወ መዐቀኒ ዝርዝር ረቋሒ መሰረት ኣተዊ ክገብር ዝኽእል፤

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ግልፂ ጨረታ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 60 ናይ ስራሕ መዓልታት ይኸውን።

11 እቲ ጨረታ ዕለት 26/04/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ቅ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ርክብን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ደጀን ቢሮ ቑፅሪ 2-20 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

12 ኤጀንሲና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 እቲ ጨረታ ምስ ተከፈተ ኤጀንስና ናይቲ ዝግዛእ ኣንቲ ቫይረስ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ / ክዉስክ ይክእል እዩ

14 ሰዓራይ እቲ ዘቅርቦ ኣንቲ ቫይረስ ብበዓል ሞያ ( ብፅሬት መረጋገፂ ኮሚቴ) ተፈቲሹ ትክክለኛነቱን ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን።

ሐበሬታ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342-400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

Government of Regional State of Tigray Information Communication Technology

በትግራይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስት የኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ አጀንሲ

ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኤጀንሲ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን