መቐለ ቐዳማይ ወያነ ገዛ ስራሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበር

1 ዝፈረሰ መንደቅ በእምኒን ስሚንቶን እንተጎደለ እምኒ ኣማሊእካ ምፅጋን በዓል

2 ናይ መሬት ቢም መጠኑ 40*20 ሰንቲ ሜትር ንዉሓቱ 82 ሜትር ዝኮን ቴንዲኖ በዓል 12 ሚ ሜትር ከምእዉን ስታፍ በዓል 6 ሚ ሜትር  ርሕቀት ቆሪፅካ ብምእሳር ፍሬም ወርክ ኣሺግካ ኮንክሪት ምምላዕ ዓይነት ኮንክሪት ረሽዩ ር-20 (320 KG) ኪሎ ግራም ንሜትር ኩብ ኮይኑ ብሜትር ሊንያ

3 ኣብቲ ዲች ዝርከብ ግሪል ሓፂን ዝጎበጠን ዝተጨፍለቐን ኣቃኒዕካ ኣብ ቦትኡ ምግጣም

4 ናይዚ ስራሕ ዘድሊ ናይ ኮንስትራክሽን ኣቅሑት ተንዲኖ ስታፋ ስሚንቶ ሐሸዋን ጠጠርን ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ኣቅሑትን ናይ ሰብ ሓይሊን ብምምላእ ብፅሬትን ኣብ ሓፂር ጊዜ ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል ይግባእ

5 ነዚ ስራሕ ንምስራሕ ብቐዳምነት ብግንባር ቐሪቡ ክረኣ ይግባእ

6 ናይ ጨረታ መክበሪ ዉሕስና ብር 3000 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብስፕኦ ከትሕዝ ይግባእ

7 በዚ ናይ ስራሕ ሞያ ኣብ መንግስታዊን ናይ ዉልቀን ትካላት ዝሰርሕሉ ናይ ስራሕ አፈፃፅማ ብቅዓት መረዳእታን ንግዲ ፍቃድን ቲንን ቫት ምስ ዋጋ መቅረቢ ተታሓሒዙ ይቀረብ

8 እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 12/4/2011 ዓም ጀሚሩ ክሳብ ታሕሳስ 22/2011 ኣብ ዘሎ ጊዜ ዝተስርሓሉ ዋጋ ብስፒኦ ዓሺግኩም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብሎክ ረ 3ይ ደብሪ ገዛ ቁፅሪ 307 ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ ይግባእ

9 ጨረታ ዝክፈተሉ ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ታሕሳስ 22/2011 ሰዓት 10:30 ተዓፅዩ ሰዓት 11:00 ድሐሪ ቀትሪ ይክፈት

10 ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 ንተወሳኪ ሐበሬታ ቁፅሪ ስልኪ 0344415316