ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓዲ ረመፅ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድን ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀትን ዋናን ቅዳሕን ዘቅርብ፤

2 ምስክር ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዋናን ቅዳሕን ዘቅርብ፤

3 ንመሳርሒ ፅሕፈት ዝጫረት ወገናት ምስክር ወረቀት ተወሳኺ እሴት ታክስ ክተቅርቡ እናሓበርና ኣብ ኣቅሑት ቢሮ ሕትመት መሳርሒ ህንፃ ፣ መሳርሒ ፅሬት፣ ኤሌክትሮኒክስ እትጫረቱ ድማ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘለኩምን ዘይብልኩምን ምውድዳር ትኽእሉ ኢኹም።

4 ናይ ወርሒ መስከረም 2011ዓ/ም ዓዲ ውሽጢ እቶት ኣታዊ ዝገበርሉ ወርሓዊ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ንተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

5 መኸበሪ ጨረታ ዝውዕል ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ lot1 መሳርሒ ፅሕፈት ካልኦት ሃለቅቲ ኣቅሑትን 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ lot2 ንሕትመት ብነፃ፣ lot2 ንመሳርሒ ህንፃ ብነፃ፣ lot4 ንኤሌክትሮኒክስ 1000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ lot5 ንኣቅሑት ቢሮ 1000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ lot6 ንመሳርሒ ፅሬት ብነፃ ፤

6 ሰዓራይ ጨረታ ድሕሪ ናይ 3ተ ቅሬታ መቀበሊ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ 10% ካብ ጠቅላላ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ብሲፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ኣትሒዙ ውዕሊ ክኣስር ዝኸእል፤

7 ጠቅላላ ንብረት ኣብ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትሪን ማለት ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ወልቃይት ከተማ ዓዲ ረመፅ ከረክብ ዝኽእል፤

8 ጨረታ ተኸፊቱ ሰዓራይ ምስተገለፀ ናይ ዝሰዓሮ 10% ኣትሒዙ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤

9 ነቶም ቅድም ኢሎም ዝተረጋገፁ ረቋሒ ከማልኡ ዝኽእሉ መቅረብቲ ኣብቲ ጨረታ ንኽወዳደሩ ይዕድም።

10 ሰነድ ጨረታ ካብ 28/03/2011 ዓ/ም -13/04/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓታትን መዓልትን ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትሪን ማለት ቤት ማዘጋጃ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ከተማ ዓዲ ረመፅ ብምውሳድ እቲ ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ተኣሺጉ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ተባሂሎም ነንበይኖም ብምፍላይ ኣብ ውሽጡ ሽምን ፊርማን ዓሪፍዎ ብዝተኣሸገ ፖስታ ናብ ዓዲ ረመፅ ቤት ማዘጋጃ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ ንብረትን ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ይኽእሉ።

11 እቲ ጨረታ 13/04/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትሪን ማለት ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ወልቃይት ከተማ ዓዲ ረመፅ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ ንብረትን ይኽፈት።

12 ተመሊኡ ንዝቀርብ ሰነድ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘይተረኸብሉ እዋን ምኽፋት ይከኣል እዩ።

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብዚ ወፃኢ ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

14 ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ቦታን እዋንን ኩሉ ሕ/ሰብ ቀሪቡ ክዕዘብ በዚ ኣጋጣሚ ንዕድም።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0932-239375 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።