ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ረቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2010/2011ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ መለለይ ቁፅሪ ቲን /TIN/ : መቅረባይ ሰርተፊኬት : VAT ተመዝገብቲን ናይ ጥቅምቲ ወርሒ 2011ዓ/ም ቫት ዲክለረሽን ከቅርቡ ዝክእሉ፣

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝ ቲም ዕዳጋ  ጀሚሩ ብር ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል::

3 ጨረታ መኸበሪ መጋረጃ 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ)፣ ንዜብራ ቀለም 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 12/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ/ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ/ በብበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ብኽልተ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል::

6 ዝኾነ ይኹን ተወዳዳራይ ብቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብኽፋል ማለት ውን ፍርቂ ሰነድ መቂልካ ምቅራብ ኣይከኣልን።

7 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመረፀሉ እዋን ካብ ሕድሕድ ዝግዛእ ንብረት ወይ ኣገልግሎት 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9 ኣድራሻና- ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ክፍሊ ቁፅሪ 34 እዩ 

10 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 -408757 /0344-408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::