ኢትዩ ትሪ ኢኮ ሲስተም ምምሕያሽ ሓ/ዝተ/ሕ/ስ/ማሕበር

1 ንግዲ ፍቃድ ናይ 2011 ዓ/ም ዘሐደሰን ዝገልፅን ሰርቲፊኬት ኦርጂናልን ኮፒን ቲን ናምበርን መረዳእታ ኦርጂናልን ኮፒን ዘቅርብ፤

2 እቲ ስራሕ ውዕሊ ካብ ዝኣስሩ ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 15 ተኸታተልቲ መዓልቲ ሰሪሖም ከረክቡዝኽእሉ፤

3 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ካብ ዕለት 2/03/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅ/ት ኢትዩ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ፕሮጀክት ወ/ደ/ተምቤን ብነፃ ክወስዱ ይኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ዋጋ ዝሓዘ ሓደ ኦርጂናል ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሽም ንግዲ ፍቃዶም ብምፅሓፍ ፊርማ ብምፍራምን ማህተም ምስገበሩ ብምዕሻግ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽምን ኣድራሻን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅ/ት ኢትዩ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ፕሮጀክት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 08/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ይኽእሉ፤ በቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 3:30 ጨረታ ሳንዱቅ ይዕፀው።

5 እቲ ጨረታ ኩለም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 08/04/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይዕፀው።

6 ብር 5000.00 ናይ ጨረታ መኸበሪ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብን ከትሕዝ ዝኽእል ደረቅ ቸክ ተቀባልነት የብሉን።

7 መኸበሪ ውዕል 5% ካብ ጠቅላላ ዋጋ ብሲፒኦ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ከቅርብ ዝኽእል፤

8 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምጭብርባር ዝፈተነ ተወዳዳራይ ብሕጊ ተሓታታይ ምዃኑ፤

9 ተጫራቲ ናይ ቫት ሒሳብ ኣብ ግምት ከየእትው ክመልኡ ኣለዎም።

10 በቲ ናይ ፕሮጀክት መምርሒ መሰረት ተወዳደርቲ ዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ መሸነፋይ ምዃኑ፤

11 ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ፕሮጀክት ብክፋል ወይ ደማ ብሙሉእ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ብኣካል ወይ ብስ.ቁፅሪ 0914-241193 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ።