ማሕበር ረዲኤት ትግራይ

ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማረት) ናይ ታፒሰርያ ስራሕቲ ጨረታ አወዳዲሩ ክተስርሕ ትደሊ ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ብዘሎ መሰረት ክወዳደሩ ዝክእሉ ምኮኖም ንሕብር::

1 ናይ 2006 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫራቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 613 / 30.00 / ቅረሺ / ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይክእሉ

2 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን ናይ ወርሓዊ ዲክለር ናይ ታክሲ ከፋልነት ቲን ዝተመዝገበኩም ምካንኩም መረጋገፂ ክተቅርቡ ይግባዕ ፎቶ ኮፒን ኦርጅናልን ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% /ክለተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ቢድ ቦንድ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገጸ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም ጥረ ገነዘብ ምትሓዝ አይፍቀድን

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፅሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 17/10/2006 ዓ/ም ሰዓት ሓሙሸት /5:00 / ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይክእሉ

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 17/10/2006 ዓ/ም ሰዓት 9:00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብዝርከብሉ እዩ

6 አቲ ዝተቁሃብ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን አቲ ዝመላዕኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገበሮ ነፍልጥ

7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ክሕልዎ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልዕዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት ይብሉን

8 አቲ ድርጅት ዝሓሸ አማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ