ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማ

በዚ መሰረት ሰብ ዋናን መካረይቲ ዝኾንኹም መቅረብቲ ትካላት ኣብዚ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ዓዲግኩም ክትሳተፉ ይዕድም።

 ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒታት

1 ተጫረቲ 50,000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ምስቲ ሰነድ ቅድሚ እቲ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ አለዎም

2 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ክራይ  ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተኻተቱ ኢኩፕመንት ንሕድሕዶምን ንምጉዕዓዝ ሓደ ኪሎሜትር ዘኽፍልዎም ዋጋ ኾይኑ  ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሓወሰ  ክከዉን ይግባእ።

3 ተጫረቲ በቲ ዘፈር ናይ 2011 ዓ/ም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝገልፅ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ዋናን ቅዳሕን ፍቃድ መዘወሪ ማለት እዉን ሌብሬ ከቅረቡ አለዎም

5 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብቲ ቤት ዕዩ ቢሮ ቁፅሪ 4 ኣብ ዝተዳለወ ሰንዱቅ ጨረታ ክእትዉ ይክእሉ

6 ዝሰዓረ መቅረባይ ዘቅርቦ ሎፔት ኣብ ሰነድ ጨረታ ንዝተዘርዘሩ  ዓይነት ኢክፑመንት ናይ ምፅዓን ዓቅሚ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ።

7 ሰዓራ ዘቅረቦ ሎፔት ናይ ደረቅ ፅዕነት ሙሉእ ኢንሹራንስ ሸፋን ዘለዎ ምዃኑ ዘረጋግፅ ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ሒዙ ክቀርብ ይግባእ።

8 ሰዓራይ ኣብ ውሽጢ 2ተ መዓልትታት ውዕሊ ኣሲሩ ናብ ሰራሕ ክኣቱ ይግባእ።

9 እቲ ጨረታ ካብ 22/02/2011 ዓ/ም ክሳብ 21/03/2011 ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ።

10 እቲ ጨረታ 21/03/2011ዓ/ም  ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 8:30 ይክፈት። ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ናይ ጨረታ ሰነድ ንምኽፋት ኣይዕገትን።

11 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።