ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ዳንሻ

ተጫረቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቋሒታት

1 ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈለን በቲ ዘፈር  ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስን ቅድሕ ከቅርብ ዝክእልን

2 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎን  ቅድሕ ከቅርብ ዝክእልን

3 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎን ቅድሕ ከቅርብ ዝክእልን

4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ዝኾነን ቅድሕ ከቅርብ ዝክእልን

5 ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

6 ተጫረቲ  ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 23/02/2011 -13/03/2011 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 03 ምዉሳድ ይከኣል

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብዝግባእ ብምምላእ ፋይናንሻል ዋጋ መወዳደሪ ዋናን ቅዳሕንን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝግባእ ታዓሺጉ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ድማ ናይ ተጫረቲ ሽም ኣድራሻ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ተፃሒፍሉ ማሕተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ዳንሻ ቢሮ ቁፅሪ 03 ዝተዳለወ ሳጥን ክሳብ 13/03/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ክእትዉ አለዎም

8 መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሬት 300.00 ቅርሺ : ንደንቢ ክዳን 1000.00 ቅርሺ : ንመሳርሒ ፅሕፈት 800 ቅርሺ : ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 1500 ቅርሺ :ንማይ ትቦታትን መገጣጠምትን 4000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

9 ሰዓራይ ጨረታ ምስተፈለጠ ነቶም ተስዓርቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ሽዑ ንሽዑ ዝምለሰሎም እንትከዉን ሰዓራይ ንዝኮኑ ተጫረቲ መክበሪ ዉዕሊ ኣትሒዞም ዉዕሊ ምስኣሰሩ ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ሽዑ ንሽዑ ዝምለሰሎም ይከዉን መክበሪ ዉዕሊ እንድሕር ዘይኣትሒዞም ግና ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ናብ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ይግበር።

10 ምልክታ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 23/03/2011 ዓ/ም ክሳብ  13/03/2011 ዓ/ም ይከዉን እቲ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፈሳስን ማይን ከተማ ዳንሻ ቢሮ ቁፅሪ 03 13/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት። ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እነዘተይተረኪቦም ቤት ዕይና ጨረታ ፖስታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

11 ሰዓራይ ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዝኾነሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ውዕሊ ብምአሳር ብውዕሉ መሰረት ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትታት ስራሕ ከቅርብ ኣለዎ።

12 ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዕዝያ ሕድሕድ ንብረት ብናይ ፅሬት ኮምቴ ትክከለኛነት ፅሬቱ ድሕሪ ምርግጋፃን ርክክብ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ዳንሻ ድሕሪ ምፍፃም ክፍሊት ዝፍፀም እንትከዉን እቲ ንብረት ብበዓል ሞያ ተረጋገፁ ብልሽት እንተሃሊዩዉ ግን እቲ ዝተባላሸዉ ንብረት ቀይሩ ናይ ምርካብ ግዴታ አለዎ

13 ልዕሊ 10000.00 ቅርሺ ዝሰዓረ  2% ዊዝሆልድ ግብሪ ክከፍል ዝክእል

14 እቲ ቤት ፅሕፈት በዘለዎ በጀት መሰረት ብምግባር 20% ናይ ምዉሳክን ምንካይ መሰል አለዎ።

 15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ

ተወሳኺ ሓበሬታ 0344-360373/0914-771157 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።