ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ መቐለ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ሰርቲፊኬት /TIN/ ክተቕርቡ ትኽእሉ፣

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት) ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010ዓ/ም ዲክላሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉን፤

4 ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት /ሰርቲፊኬት ዘለኩምን

5 2% ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክትኸፍሉ ትኽእሉ፤ ኣብቲ ጨረታ ክተሳተፉ ትኽእሉ ምዃንኩም እናገልፅነና

6 ነዚ ግልፂ ጨረታ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ ብር) ብምኽፋል ካብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ (መሰረተ ካምፓስ) ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ካብ 05/02/2011 ዓ/ም ጀሚሩ - ዕለት 23/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:00 ንምውሳድ ኣብ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ኦርጂናልን ኮፒን ብምባል ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምአታው ትኽእሉ፣

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ዋጋ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) በሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከተሓሕዙ እትኽእሉ።

8 እቲ ጨረታ ዕለት 24/02/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 3:30 ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ መሰረተ ካምፓስ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ተወደደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

9 ተጫረቲ ክሳብ 30/10/2011 ዓ/ም ውዕሊ ብምእሳር በቢእዋኑ ንብረት ክተቕርቡ ትክእሉ ምዃንኩም

10 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11 እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ኮሌጅና ናይቲ ዝግባእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል እዩ።

12 ተወዳደርቲ እተቕርበዎ ንበረት ብቴክኒክ /ፅሬት ኮሚቴ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥረሕ ኣታዊ ይኸውን።

13 ጨረታ ፀኒዑ ኣብ ዝፀነሓሉ እዋን ውሽጢ ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ኦርጂናል ዶክሜንት ክተቅርቡ እንተኣዚዙ ክተቕርቡ ምዃንኩም ክትፈልጡ ይግባእ ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-404592 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።