ማይጨዉ ሕርሻ ኮሌጅ

1 ናይ 2010ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገብኩም ኣተሓሒዝኩም ክተቕርቡ እትኽእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩም ቲን ሰርቲፊኬት ክተቅርቡ ትኽእሉ

3 ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010ዓ/ም ዲክሌር ዝገበርኩምሉ መረዳእታን እተቕርቡ

4 ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዝተሓደሰ ከተቕርቡ ትኽእሉ

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ በዓልኹም መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ብፅሬትን ብመጠንን ተቕርቡ ምዃንኩም

6 መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ

7 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 (ሰላሳ ብር) እናኸፈልኩም ካብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ሀ-B20 u-2 ካብ 08/02/2011 ዓ/ም -22/02/2011ዓ/ም ሰዓት 11:00 እናመፃእኹም ክትወስዱ ትኽእሉ።

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ንሎት1 -2-3ን ንር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ብር)፣ንሎት 4 -5-6ን ብር 2000.00 (ክልተ ሽሕ ብር) ፣ ንሎት 7-8-9ን ደማ ብር 500.00 (ሓሙሽተ ሚኢቲ ቅርሺ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክን ክተትሐዙ እትኽእሉ ብዘይካ ናይ ፅሬት ኣቑሑት

9 ናይ ፕሪንተራት ፎቶ ኮፒን ቀለማት ነኒ ሕድሕድ ናይ 6 ወርሒ ጋራንቲ ክህብ ዝኽእል

10 እቲ ጨረታ ዕለት 23/02/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተኣሺጉ ኣብቲ ዕለት ድማ 4:30 ኣብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረተን ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

11 ዝተወዳደርሉ ሰነድ ኮፒን ኦርጅናልን ክተቕርቡ እትኽእሉ ከምኡ ድማ በዓል 26 ገፅ ሰሩዕ ሰነድ ጨረታ ሕድሕድ ገፅ ናይ ተጫረቲ ማህተም ብምግባር ብዝተኣሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ተእትው ትኽእሉ

12 ናይ ሕድሕድ ንብረት መዐቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬት ምዃኑ ኣስተውዒሎም ዋጋ ይምልኡ።

13 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

14 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁጸሪ 0347-700388 ምደዋል ይከኣል።