ማእከል ቤት ህንፀት ውቕሮ

1 በቢዘርፉ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ሕድሳት ዘይሓለፎ /ግብሪ ዝኸፈልሉ ዘይምለስ ቅዳሕ ዘቅርብ::

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ::

3 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ::

4 ንናይ ህንፃ መሳርሒ፣ ፅሕፈት መሰርሒ፣ ሑፃን ፀፀርን፣ ተወዳደሪ ዝኾንኩም ቫት ዝተመዝገበን ናይ ቫት ምስክር ወረቀትን ናይ ወርሒ ነሓሰ ዲክለሬሽን ዝገበረሉን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ::

5 መክበሪ ጨረታ ንናይ ህንፃ መሳርሒ ብር 10000. 00 ፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 5000.00፣ ንፀፀርን ሑፃንን ሕድሕድ ብር 6000.00፣ ንወራጅን ሞራለን ባህርዛፍ ፣ቀለብ እንስሳት ፍርሰካ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑትን በቢ ዘርፉ ሕድሕድ ብር 3500.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ብስፒኦ ጥራሕ ሕጋዉነቱ ካብ ዘተረጋገፀ ባንኪ ኣቀዲሙ ዘትሕዝ

6 ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 07/02/2011 ዓ/ም ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 23/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓሽጉ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ባዕሎም ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ኣብ ዉቅሮ ማእኸል ህንፀት ይክፈት::

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ዉቅሮ ማእኽል ህንፀት ቢሮ ቁፅሪ 3 ዕ /ፋ/ን/ምም/ር ንናይ ህንፃ መሳርሒ ብር 50.00 /ሓምሳ ቅርሺ/ ፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን፣ፀፀርን ሑፃን ሕድሕድ ብር 30.00፣ ንወራጅን ሞራለን ባህርዛፍ : ቀለብ እንስሳት፣ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሑት ሕድሕድ ብር 20 /ዒስራ ብር/ እናከፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይካአል ::

8 መኸበሪ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ገዜ 30 ናይ ስራሕ መዓልቲ

9 ውዕሊ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ውዐሊ ካብ ዝኣሰረሉ ግዜ 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ

10 ንዝበለፀ ሓበሬታ ካብቲ ጨረታ ሰነድ ይርኣዩ።

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0344-430843 ምሕታት ይከኣል።