ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣርኣያ ዘሪሁን

1 ናይ 2010/2011 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉን ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ ምዃኑ ዋናን ቅዳሕን መረዳእታ ዘቕርብ

2 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ( ቫት) ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ ነሓሰ 30/2010 ዓ/ም ምኽፋሉ ዘረጋግፅ ዲክሌሬሽን መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቕርብ ዝኽእል

3 ግብሪ ኸፋሊ ንምዃኑ ናይ ግብሪ ከፋሊነት መለለይ ቁፅሪ (ቲን ናምበር) መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል

4 ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 3000.00 ብጥረ ገንዘብ፣ካብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ብንግዲ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ድማ ቼክ ኣቀዲሙ ከትሕዝ ዝኽእል፤

5 እቲ ጨረታ ምስ ሰዓሩ ፤ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት (መጓዓዓዚ) ናብ ኮ/ቴ/ሞ/ ኣረኣያ ዘሪሁን ከቕርብ ዝኸእል፤ውዕሊ ካብ ዝኣስረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20 ተኸታተልቲ መዓልትታት ከቕርብ ክኽእል ኣለዎ።

6 ተጫረቲ ናይ 2010/2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቐት ምስክር ከቕርብ ዝኽእል

7 ተጫረቲ ዝተዳለወ ሰነድ ካብ ኣርኣያ ዘሪሁን መቐለ ንብረት ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ቢሮ ቁፀሪ 13 ብምቕራብ ንሕድሕድ ሰነድ ብር 50.00 ከፊሎም ምስወሰዱ ዝጫረትሉ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ (ፖስታ) እዚ ምልክታካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይኽእሉ።

8 ተጫረቲ መወዳደሪኹም ካብ 28/01/2011-16/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅ/ሰዓት ናብ ኮ/ቴ/ሞ/ኣረኣያ ዘሪሁን ክተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

9 እዚ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 16/02/2011 ሰዓት 3:30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ቅ/ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ኣብ ዝተረኸብሉ ኮ/ቴ/ሞ/ኣ/ዘሪሁን ይኽፈት።

10 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምዃኖም ምስተነገሮም ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክትአስሩ እትኽእሉን ካብ ዝሰዓርኽምዎ ጠቅላላ ዋጋ 10% ክተትሐዙ ፍቃደኛታት ዝኾንኩም ፤ውዕሊ ክተኣስሩ ፍቃደኛታት ተዘይኾይኖም መቕረብቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዝኽምዎ ገንዘብ ናብ ትካልና ኣታዊ ዝግበር ምዃኑ ንገልፅ።

12 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምዃኖም ምስተነገሮም ንዘቕረበዎ ንብረት ቅድሚ ውዕሊ ምእሳሮም ከከም ኩነታቱ ወካሊ መርኣያ ከቕርቡ ክሕተቱ ይኽእሉ እዮም።

13 ጨረታ ዝኽፈተሉ ኣብ ቁፅሪ 9 ዝተጠቀሰ ከምዘሎ ኮይኑ ተጫረቲ (ሕጋዊ ወኪል ) ብእዋኑ ክቀርቡ ብዘይምኽኣሎም ሰዓት ዝነወሓሉን ዘይተኸፈተ ዝተረፍ ፖስታ ከምዘይህሊ ተወዳደርቲ ክትልጡ ይግባእ።

14 ተጫረቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብእዋኑ ተዘይ ኣቅሪቦም ናይ ዝዘንግዕሉ መዓልቲ ካብ ዝሰዓርዎ ገንዘብ በቢመዓልቲ 1/1000(0.001) ዝቕፅዑ ምዃኖም ክፈልጡ ይግባእ።

15 እቲ ኮሌጅ ከም ኩነታቱ ክሳበ 20% ክውስኽን ክቕንስን ይኽእል እዩ።

ኣድራሻና መቐለ ክ/ከተማ ዓየደር 03 መወዳእታ ታከሲ ጥቃ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና

ስ.ቁ 0344-419498 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።