ቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ቀረብ ማይ ከተማ መቐለ

ግለጋሎት ማይ ከተማ መቀለ ብግልፂ ጨረታ ዝተፈላለዩ ኤሌክትሮኒክስ፤ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ቢሮ ኣቁሑት ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደሊ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

በዚ መሰረት

  • ብዘርፉ ዝተሓደሸ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

  • በቲ ሓዱሽ መቅረባይነት /ሰርቲ ፊኬት/ ካብ ጥሪ 1/2005 ዓ/ም ዝውፀ ክቅረብ ኣለዎ

  • ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIn/ መረዳእታ ከተቀርቡ እትክሉ

  • ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ መጨረሻ ወርሒ ዲክለር ዝገበርኩምን

  • ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር /Specification/ መሰረት መሊኡ ዘቅረበ ክከውን ኣለዎ

  • መቅረብቲ ካብ ዕለት 05/03/2006 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 19/03/2006 ዓ/ም ዘይመለስ 30 ብር /ሰላሳ ብር/ ንፅሕፈት መሳርሒን ኤሌክትሮኒክስ ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእተዊ ይካኣል።

  • መክበሪ ጨረታ ብር 5000/ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ንፅሕፈት መሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ ብCPO ወይም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ቅድሚ እቲ ፖስታ ምክፋቱ ክትሕዙ ኣለዎም።

  • ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 19/03/2006 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

  • ተጫረቲ ወይም ወኪላቶም እንተዘይ ተረኪቦም እቲ ጨረታ ንምክፋት ዝዓግቶ የለን

  • ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን20 ናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ

  • እቲ ጨረታ ደኩመንት ኦርጅናል ንበይኑ ተዓሺጉ ኮፒ ንበይሉ ተዓሺጉ ከቀርብ ኣለዎ ኮፒ ዘየቅረበ ተጫራታይ ውድቂ ይግበር

  • ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

  • ተጫረቲ እቲ ዘቅረብዎ ዋጋ ቤት ፅሕፈትና ኣብ ዘዳለወ ሰነድ ድልየት መግለቀፂ ጥራሕ ይኮን። ነብሲ ወከፍ ገፅ ማህተምን ፊርማን ናይ ድርጅትኩም ከዓርፎ ኣለዎ።

  • ኣድራሻ ግልጋሎት ማይ ከተማ መቀለ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን

  • ንተወዳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344407335 ምርካብ ይካኣል

ምስ ሰላምታ

ግልጋሎት ማይ ከተማ መቀለ