ፖሊ ቴክኒንክ ኮለጅ ሽረ

 በዚ መሰረት ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታተ እተማልኡ ትካላት ክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይነት ፣ቲን ናምበር፣ ቫት፣ ናይወርሒ ሓምለ ወይ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ወይ ናይ ወርሒ መስከረም 2011ዓ/ም ዲክለረሽን ዘቅርብ

2 ኩሉ ኦርጀናል ንብረት ዘቅርብ

3 ዝቀርብ ንብረት ኩሉ ስፔስፊኬሽን ከይተለወጠ ትካልና ብዘመረፆን እቲ ዝኣቱ ንብረት ቅድሚ ኩሉ ናብ ትካል ምምፅኡ ብሳምፕል መሰረት ብምርኣይን ይኸውን

4 ሰነድ ጨረታ ብር 50.00( ሓምሳ ብር) ብምኽፋል ኩሉግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓትን መዓልትን ኣብ ትካልና ቢሮ ቁፅሪ 105፣ ኣብ ክልል ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 333 ምውሳድ ይከኣል።

5 ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዕዝያ ናብ ትካልና ዘቅርብ

6 ምስ ቫቱ ሓዊሱ ይመልእ

7 መኽበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ጥራሕ የትሕዝ

8 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን60 መዓልቲ ይኸውን

9 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝን 20% ናይ ምቅናስን ምውሳኽን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 መኸበሪ ጨረታ ንኢሌክትሪስቲ፣ ንኤሌክትሮኒክስ፣ ንህንፃ መሳርሒ ነንሕድሕዶም ብር 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ንፅሕፈት መሳርሒ ፣ ንሳኒተሪ ፣ንመኪና ስፔርን ነንሕደሕዶም ብር 5000.00(ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ ) ንሳይክል፣ ንሞተር ሳይክል ስፔር፣ ምተር ሳይክል ነንሕድሕደዶም ብር 3000.00( ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) የትሕዝ።

11 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 15/01/2011 ዓ/ም -30/01/2011ዓ/ም ዝዕፀወሉ ዕለት 30/01/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ይኽፈት።

12 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ አብ መቐለ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ቢሮ ቁፅሪ 333 ዝኽፍት ኮይኑ ብዘይ ምህላዎም ካብ ምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ0344-443582 ምሕታት ይከኣል።