ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግስተ ሳባ ዓድዋ

1 ዝተሓደሰ ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ ዝኸፈለን መለለይ ቁፅሪ ቲን ዘለዎ፣

2 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ካብ 21/01/2011 ዓ/ም ጀሚርኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግሰተ ሳባ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕቀባ ፋይናንስን ምምሕዳርን ቁፅሪ 6 ዘይምለስ 50( ሓምሳ ቕርሺ) እናኸፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይከኣል።

3 ተጫረቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ዝሓለፈ ነሓሰ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅረቡ ዝኽእሉ፣

4 ንመኸበሪ ቢድ ቦንድ ንመሳርሒ ህንፃ ፣ኤሌክትሪካል ኢንዳስትሪ ፣ዝተፈላለየ ቅርፂ ዘለዎ ኮብልስቶን ፣ንኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒአ ከቅርቡ ኣለወም።

5 ካብ ቤተ ፅሕፈት ትልመን ፋይናንስን ዝተውሃበ ናይ መቅርባይነት ምስክር ወረቐት ዝተሓደሰ ኾይኑ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሩ ብናይ ባዕሎም መጓዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግስተ ሳባ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ሰነድ ጨረታ ክሳብ 05/02/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ እተእትውሉ ኾይኑ ጨረታ ዝዕፀየሉ 05/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ዓ/ም ናይ ንመሳርሒ ህንፃ ፣ ኤሌክትሪካል ኢንዳስትሪ ፣ዝተፈላለየ ቅርፂ ዘለዎ ኮብልስቶን ፣ንኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ጨረታ ይኽፍት።

7 ኣቑሑት ኣውቶሞቲቭ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ኣቁሑት ፅሬት፣ኣቑሑት ኮንስትራክሽን ተንከፍ ዓመታዊ ናይ ጋራዥ ፅገናን ናይ ስራሕ ዋጋን፣ መቀያየሪ ኣቑሑት መኪናን 06/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 እዚ ሳንዱቅ ተዓሺጉ በተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ጨረታ ይኽፈት።

8 ንመኸበሪ ቢድ ቦንድ ኩሎም 3000.00 ( ሰለስተ ሸሐ ቅርሺ ) ኮይኑ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከቅርቡ ኣለዎም።

9 ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 60 መዓልቲታት ዘይበልፅ ይኸውን።

10 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-788359/0921-616187 0342-710060 ምሕታት ይከአል።