ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ  

               ናይ ጨረታ ምልክታ

ከተማ ዕ/ሓሙስ ቀረብ መስተ ማይ አብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ብናይ ዋሻ በጀት ናይ ቤት ፅሕፈት ህንፃ /OFFICE/ ከስርሕ ስለ ዝደሊ ካብ ቤት ፅሕፈትና ስፐስፌኬሽን ወሲድኩም ክተጫረቱ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

1 ናይቲ ዝወዳደርሉ ንገዲ ዘረፊ ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ አብ እዋን ጨረታ ዝክፈተሉ ኮፒ ዘቅርብ::

2 ሰነድ መዐደጊ ዘይምለስ ብር 100 /ሐደ ሚኢቲ/ ጥራሕ ዝከፍል::

3 ሰነድ ዝወሃበሉ ዕለት ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ካብ ዕለት 26/09/ 2007 ዓ/ም ክሳብ 12/10/2007 ንተከታታሊ 15 ማዓልቲ::

4 ጨረታ ሰነድ መረከቢ ጊዜ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 12 /10/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 6:00::

5 እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 1 ዕለት 12/10 /2007 ዓም ልክዕ ሰዓት 6:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተይተረኪቦም ቤት ዕዩና ጨረታ ፖስታ ምኽፋት መሰሉ ዝተሐለወ አዩ::

6 ጨረታ ሰነድ ዝዕሸገሉ /ሓሙስ ማይ ግልጋሎት ቢሮ ቁፀሪ 1 ::

7 መክበሪ ጨረታ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ /ብጥረ ገንዘብ ወይ ከዓ ብሄራዊ ንግዲ ባነኪ ኢትዩጰያ ዝፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ከትሕዝ ዝክእል::

8 ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ::

9 መተሓሳሰቢ ዝርዝር ናይ ጨረታ መምርሒ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጥ ምኻኑ ንሕብር::

10 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ ቁ 0347730269 ምሕታት ይኽእሉ::