ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ወረዳ ራያ ዓዘቦ

1 ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎን ፣ዝተሐደሰን መቅረባይነት ዘቅርብ

2 ተመዝጋቢ ቫት ዝኮነ ብእዋኑ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

3 ጨረታ ዝፀንሐሉ ካብ 28 ነሓሰ 2010 ዓም ክሳብ 8 መስከረም 2011 ዓም ይከዉን

4 ጨረታ 8 መስከረም 2011 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 ባዕሎም ወይ ሕጋዉያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይከዉን

5 መክበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብስፒኦ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል 

6 ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ እናከፈሉ መሸጢ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል 

7 ሰዓራይ ኣካል 10 ሚእታዊ ወዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

8 ብናይ ባዕልካ መብርሂ ማለት እዉን እስፔሴፊክሽን ኣብ ነብሰ ወከፍ ዓይነት ንብረት ምምላእ እቲ ዝተመልአ ዓይነት ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን ድሕሪ ምምላእ ዋጋ እዚ ሰነድ ኣብ ታሕቲ ዝተቀመጠ ክፈቲ ቦታን ኣብ ፖስታን ሽም ፌርማ ኣድራሻ ማህተምን ክግበረሉ አለዎ 

9 ሰዓርቲ እንተቅርቡ ንብረት ቅቡል ዝገብር ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ብዝተቀመጠ መዓቀኒ ረቆሓ መሰረት ምካኑ ምስተረጋገፀ አታዊ ይከዉን

10 እቲ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክእስረ ዝክእል 

11 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ወረዳ ራኣ ዓዘቦ ናብ ዝተፈላለዩ ሳይታት ንብረት ከቅርብ ዝክእል 

12 ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ኣብ ዝኮነ ግልፂ ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ክፍለጥ ይግባእ 

13 ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል 

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ንተወሳኪ ሓበሬታብቁፅሪ ስልኪ 0346640172 ወይከዓ 0346640209