ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 በዚ ስራሕ ዘርፊ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ስራሕ ፍቃድን መቅረባይነትን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

2 ቲን መፍለዩ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ከምኡድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ወርሒ ሓምለ2010 ዓም ድክሌር ዝገበረ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

3 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ንህንፃ መሳርሒ 10000 ብር ንሓሸዋን ኤሌክትሪክን ባህርዛፍን ዝወዳደሩ 3000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

4 ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ኮይኖም ዝመልእዎ ዋጋ ድማ ምስ ቫቱ ዋጋ ተመሊኡ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈትና ሰነድ ጨረታ ዋጋመምልኢ ተመሊኡ ብ2ተ ፖስጣ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ወ/ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ም/ን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይክእሉ ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኩን ሓሳብ ተቀባልነት የብሉን ተጫረቲ ንዝወፀ እስፐሲፈኬሽን ኣማሊኡ ዘይተረከበ ካብ ዉድድር ዉድቂ ይግበር

5 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 4/12/2010 ዓም ክሳብ 20/12/2010 ዓም ሰዓት 3:00 ዘይምለስ 50 ብር እነከፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይክእሉ እቲ ጨረታ ዕለት 20/12/2010 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይኹን ኣብዘይተረከብሉ ይክፈት

6 ሰዓሪ ዝኮነ ተወዳደሪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓሮ መክበሪ ዉዕሊ ዘትሕዝ ኮይኑ ካብ ዝቀረብዎ ንብረት ድማ ዝከፍሎም ገንዘብ ልዕሊ 10000 ብር እንተኮይኑ 2% ዊዝ ሆልድ ታክሲ ይከፍል

7 መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተኪቡ እቲ ዝርዝር ንብረት ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344411454 ምሕታት ይከኣል