ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ

1 ስለዚ ዝምለከተኩም ናይ ንግዲ ትካላት ዘይምለስ ብር 100 ብሸም ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ክልል ትግራይ ኣብ ኢትዮጰያ ንግዲ ባንክ ሒሳብ ቁፅሪ 1000012030839 ኣተዊ ገይርኩም ደረሰይ ሒዝኩም ብምቅራብ እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ደኩሜንት ምዉሳድ እትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

2 ዝተሐደሰ ናይ ዘብን ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም መለለይ ቁፅሪ ከፍልቲ ግብሪ ዘለኩም መረዳእታ ቅዳሕ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታን መቅረባይንትን ሓቢሩ ክቀርብ ይግባእ

3 እቲ ጨረታ ጉንበት 22/2010 ዓም ንጉሆ 3:30 ሰዓት ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዝተረከብሉ ኣብ ቢሮ ኣዳርሽ ይክፈት

4 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ሙሉእ ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

5 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034 4403663 ወይ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል