ቤት ፅሕፈት ትልሚን ፋይናንስን ወረዳ ወርዒ ለከ

ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጎዓዝያን ወረዳ ወርዒ ለከ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ 2010 ዓም ከምእዉን ኣብ 2011 ኣብዚ ወረዳ ወርዒ ለከ ጣብያ ሰቡሕ ዝርከብ ናይ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ሐደ ህንፃ ቤት ፅሕፈት ምስ ገኒ ሽቃቅ ኮድ ሎት 03 ክልተ ብሎክ መምሃሪ ክፍሊ ኮድ 01 ን 02 ህንፃ ስራሕቲ ነኒበይኖም ብምጭራት ከስርሕ

1 ደረጃ 9 ብርኪ ደቂቅ ፍቃድ ኮንስትራክሽን ዘለዎም ማህበራት ዉልቀ ዳኣንትን ኮንስትራክሽን ስራሕ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

2 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ስራሕ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ናይ ደኣንት ወረቀት ምስክር ብኮንስትራክሽን ሪጉሌሽን ምዝግባ ፈቃድን ወይ ብዝምልከቶ በዓል ስልጣን ዝዉሃብ ዝተሐደሰ ናይ ኮንስትራክሽን ፍቃድ መለለይ ቁፅሪ ከፋለይነት ግብሪ ዘለዎም ወይ ዝተመዝገቡ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሰብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል

3 እቲ ዝስራሕ ስራሕ ኣብ ዉሽጢ 120 መዓልቲታ ዛዚሞም ከረክቡ ዝክእሉ

4 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ን እዞም ቅድም ኢሎም ዝተገለፁ ሐደ ዋናን ክልተ ቀዳሕ ሰነዳት ንነብሰወከፎም ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታት ብምዕዓሽ ዋናን ቅዳሕን ዝገልፅ ኣብቲ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍ ስለስቲኡ ፖስታ መሊሶም ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግን ኣብ ዛብን ነብሰወከፍ ፖስታ ፌርማን ማህተምን ኣድረሽን ዝጫረትሉ ሽም ፕሮጀከት ሽም ኮንትርክተር ሽም ኣቦ ወንበርን ብማርከር ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሃሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 8 ግንበት 2010 ዓም ሰዓት 300 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምምፃእ ክእትዉ ይክእሉ እዩም

5 ኩሎም ዕዱማት ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 24 ሚያዝያ 2010 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 8 ጉንበት 2010 ዓም ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ኣራቢሖም ወይ እዉን ኮፒ ገይሮም ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኣብ ኮምፕሌክስ ህንፃ ወይ እዉን ሓበራዊ ሓድሽ ህንፃ ቁፅሪ 16 ኣድላይ ሐበሬታ ብምሓዝ ክወስዱ ይክእሉ እዩም

6 ተጫረቲ እቲ ሰነድ ከምቲ ክወስደዎ እንተለዉ ዝተዉሃቦም ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ፈሪሞም ሓቲሞምን ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም

7 ቅዳም ሰዓብ ዘይሓለወን ዝተጎደለ ሰነድ ጨረታ ዘቅርብ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

8 እቲ ጨረታ ኣባላት ኮንትራክተራት ኣብ ዝተረከብሉ 8 ጉንበት 2010 ዓም ሰዓት 330 ቅደሚ ቀትሪ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምርካብም ስነ ስርዓት ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን ድሕሪ ምዕፃዉ ጨረታ ዝመፅእ ዝኮን ይኩን ሰነድ ተቀባለነት የብሉን

9 ተጫረቲ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ መከበሪ ጨረታ ስፒኦ ወይ እዉን ኢንሹራንስ ቦንድ 10000 ዓሰርተ ሽሕ ከትሕዙ አለዎም

10 እቲ ከይዲ ስራሕ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914174881 / 0343460089