ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ወረዳ ራያ ዓዘቦ

1 ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎን ፣ዝተሐደሰን መቅረባይነት ዘቅርብ

2 ተመዝጋቢ ቫት ዝኮነ ብእዋኑ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

3 ጨረታ ዝፀንሐሉ ካብ 17 ሚያዝያ 2010 ዓም ክሳብ 24 ሚያዝያ 2010 ዓም ይከዉን

4 ጨረታ 24 ሚያዝያ 2010 ዓም ንጉሆ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ባዕሎም ወይ ሕጋዉያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይከዉን

5 መክበሪ ጨረታ ንህንፃ መሳርሒ 5,000 ቅርሺ ንባህርዛፍ 5000 ናይ ህፃናት መፅንሒ ኬንዳ 5000 ናይ ካዕቲ ማሽን ኪራይ ብኤስካቫታር 5000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል

6 ሰነድ ጨረታ መሸጢ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

7 ሰዓራይ ኣካል 10 ሚእታዊ ወዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

8 ብናይ ባዕልካ መብርሂ ማለት እዉን እስፔሴፊክሽን ኣብ ነብሰ ወከፍ ዓይነት ንብረት ምምላእ እቲ ዝተመልአ ዓይነት ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን ድሕሪ ምምላእ ዋጋ እዚ ሰነድ ኣብ ታሕቲ ዝተቀመጠ ክፈቲ ቦታን ኣብ ፖስታን ሽም ፌርማ ኣድራሻ ማህተምን ክግበረሉ አለዎ

9 ሰዓርቲ እንተቅርቡ ንብረት ቅቡል ዝገብር ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ብዝተቀመጠ መዓቀኒ ረቆሓ መሰረት ምካኑ ምስተረጋገፀ አታዊ ይከዉን

10 እቲ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክእስረ ዝክእል

11 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ወረዳ ራኣ ዓዘቦ ናብ ዝተፈላለዩ ሳይታት ንብረት ከቅርብ ዝክእል

12 ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ኣብ ዝኮነ ግልፂ ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ክፍለጥ ይግባእ

13 ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

15 ሰነድ መሸጢ 50 ቅርሺ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታብቁፅሪ ስልኪ 0346640172