ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን በቲ ዘፈር ዝተሐደስ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕን ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይዚ ነገዳይ መፍለይ ቁፅሪ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታ ናይ ወረሒ ለካቲት ሒሳብ ዘፈለጥኩምሉ መረደእታ ቅዳሕን ምስ ዋንኡ ክተቅረቡ እትክእሉ

4 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ 5 /8 /2010 ዓም ጀሚርኩም ክሳብ 22 /8 /2010 ዓም ሰዓት 3:30 ነብሰከፍ ሎት ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ምወሳድ ትክእሉ

5 ተጫቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንኤሌክትሮክስ 10000 ንኣቅሑት ቢሮ 6000 ቅርሺ ንስራሕቲ ሕትመት 4000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ይግባእ

6 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

7 ሳንዱቅ ጨረታ 22/8/2010 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ አይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ግና ፊርማ በዓል ዋና ክህልዎ ይግባእ

9 ቲኦቲ ተመዝገብቲ ድማ ትመልእዎ ዋጋ ቫተ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ

10 አብቲ ዝተመልእ ዋጋ ብዝዕባ ተወሳኪ እሴት ታከስ ዘይተገለፀ እንተኮኑ እቲ ዝተመልእ ዋጋ ምስ ቫቱ ከምዝተመልእ ተሓሳቢ ይግብር

11 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተምን ፌርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344450940 / 0344450282 ዊልካ ምሕታት ይከኣል