ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ

• በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ

ምድብ 1 ናይ ላብራቶሪ መሳርሒ አቁሑት(laboratory equipment)

ምድብ 2 ናይ ግሪን ሃዉስ አቁሑት (green house equipment)

ምድብ 3 ካብ ብረት ዝስራሕ ናይ ግሪን ሃዉስ መቀመጢ(Green house bench)

ምድብ 4 ናይ ግሪን ሃዉሰ አቁሑት ምግጣምን ምዕጋንን(green house equipment installation and maintenance)

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ: መቅረባይነት ሰርተፊኬት :ቲን ናምበር :ቫት ሰርተፈኬት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን

2 ብፍላይ ድማ ቅድሚ ሕዚ Green House ምስርሑ መረዳእታ ከታሕዝ ዝክእል

3 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብስም ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ የካቲት 2010 ዓ/ምÂ ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::

4 ኣብ ናይ ጨረታ ንምድብ 1ን 2ን ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ከቀርብ ዘለዎ እንትኮን ዋንኡ ናይ ቴክኒክን ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50Â ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪቑፅሪ 03 44 40 28 01 ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 15/07/2010 ዓ/ም እስካብ 04/08/2010 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 04/08/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተይዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

8 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::