ማሕበር ከየንቲ ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕለ ዝተፈላለዩ ናይ ፅ/መሳርሒ ኣቁሑ: ኤሌክትሮኒክስ :ፈርኒቸር ፅርየት ኣቁሑትን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:

በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2007 ዓ/ም ዘሐደስኩም::

2  እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3  ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክሲ/ቫት/ ኾይኖም ናይ ወርሒ የካቲት ኣታዊ ዝገብሩሉ ዋንኡ ምስ ሐደ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ::

4 ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

5 ናይ ግብሪ ኸፋለይ መለለይ ካርድ (TIN) ዘለኩም::

6 ንጨረታ መክበሪ ብር ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 3000 :  ኤሌክትሮኒክስ ብር 5000 ፈርኒቸር ብር 3000 ፅርየት ኣቁሑትን ብር 3000 ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 50.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ትት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ፅ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ  ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን  ብምፅሓፍ አበ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ እናተሓሳሰበና::

9 ምልክታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካበ ዕለት ካብ 15/07/2007 ዓ/ም  ክሳብ 08 /08/2007 ዓ/ም እንትከዉን 3:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 08 /08 /2007 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 08 /08/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

12 እቲ ዝሰዓረዎ ዝርዝር ንብረት ናብ ከተማ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስነ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ንምቅራብ ዉዕል ካብ ዝአሰረሉ አዋን ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ በዕሉ ኣምፂኡ ከረክብ ዝክእል::

13 ቤት ፅ/ትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ  0344460058 /0665 ብምድዋል ይሕተቱ::

ኣድራሻ :  ፊት ንፊት ኢትዩጰያ ንግዲ ባንክ ጨንፈር ዓ/ዓዲ