ኤጀንሲ ማዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ

ናይ ግለፂ ጨረታ  ምልከታ

ዓይነት ጨረታ - ዓዲ ዉሸጢ ግለፂ  ጨረታ

ንኤጀንሲ ማዕድንን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ንባዪጋዝ  ዩኒት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ  ብዘርፉ  ሕጋዊ  ነጋዶ ዝኾንኩም  ክትወዳደሩ  ይዕድም ::

ክማልኡ ዝግብኦም  ረቆሒታት

1 ናይ 2007 ዓሐም ንግዲ ፍቃድን ሓዱሽ ምቅረባይነትን ዘሐደሰ ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን  ዝተመዝገብሉ ቲን  ከቅርቡ ዝኽእሉ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም  ጥራሕ ክተወዳደሩ ይዕድም  ብተወሳኪ ድማ ናይ የካቲት ወርሒ  2007 ዓ/ም ቫት  ዲክረሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ ::

2  ተጫረቲ ናይ መክበሪ ጨረታ ብር 5000.00 ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ አለዎም ::

3 ዝተዳለወ  ጨረታ ደኩሜንትን ዝርዝር  መምርሒ ጨረታን  ጨረታ ሰነድ  ዘይምለስ ብረረ 20 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማሕበር ልምዓት  ትግራይ ህንፃ  ኤጀንሲ ማዕድንን ኢነርጂ ቢሮ ቑፅሪ  115  ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት  ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 01/08/2007 ዓም ሰዓት 11:30 ብስራሕ ሰዓት  ምዉሳድ ይከአል::

4 ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 14/07/07 ዓ/ም

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/08/ 07 ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ::

6 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 05/08/07 ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ::

7 ጨረታ ዘሸነፉ መቅረብቲ ንዝሰዓርዎ ኣቀሓ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ናብ ቤት ዕዩና የቅርቡ::

8 በቲ ጨረታ ዝተሰዓሩ መቅረብቲ ወይ ግልጋሎት ወሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ተወደአን ሰዓራይ ተፈሊጡ ዉዕሊ ምስአሰረ ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ይምለሰሎም::

9 ጨረታ ሰዓራይ መቕረቢ እቲ ንብረት ዉዕል ካብ ዝአሰርሉ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ኣታዊ ዝግበር::

10 ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርበሉ በቲ ዝወፀ ስፐስፌኬሽን መሰረት ፅሬቶም ዝሐለዉን ኦርጅናልን ምኻኖም አረጋጊፁ ክመልእ ይግባእ::

11 ካብቲ ዝተቀመጠ ስፐስፌኬሽን ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ተባሂሉ ዋጋ ከቕምጥን አብቲ ስፐስፊኬሽን ዘይተነፀረ ንብረት ምቅማጥ ኣይፍቐድን ዉድቂ ድማ ይኸዉን::

12 ቤት ዕዩና ዝተቀመጠ በዝሒ 25% ክዉስክን  ክቅንስን ይኽእል እዩ::

13 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ::

14 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344 40 12 09 ምድዋል ይካአል እዩ::