ኮሌጅ ቴክኒክን ሙያን ዓብዮ ዓዲ

ዓብይ ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ ን2009 ዓ/ም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ሃለቕቲ ቀወምትን ንብረት ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ፅሬት ኣቁሑትን : ንዝተፈላለዩ ዲፓርተመንት ህንፃ መሳርሒን :ንኤሌክትሪክ ዲፓርትመንት ግልጋሎት ዝዉዕል ንብረት ኮምፒተር : ላፕቶፕ: ከለር ፕሪንተር : ዩፒስ(UPS) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

  • ስለዚ ክትጫረቱ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቋሒ ክተማልኡ ይግባእ ናብ ትከልና ብምቅራብ ዝርዝር ናይቲ ኣቑሑት ዝሐዘ ሰነድ ብር 50 ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ ዕ/ፋ/ን/ም/ር ቢሮ ቁፅሪ 6 ቀሪብኩም ካብ ዕለት 8/4/2010 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 22/05/2010 ዓ/ም ሰነድ እናመፃእኩም ክትወስዱ ከም እትክእሉ እናገለፅና ተጫራታይ እዞም ዘለዉ ነጥብታት አብቲ ሰነድ ጨረታ ከማልእ ይግባእ

1 ናይ 2010 ንግዲ ፍቓድ (ዝተሐደሰ) ኮፒ ብምቅራብ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /Tin/ ሰርተፊኬት ዘቅርብ

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ምስክር ወረቀት ዘለዎ

4 ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎ

5 ናይ ወርሒ ሕዳር 2010 ዓ/ም ዴክላረሽን ዝክፈለሉ ከቅርብ ዝክእል

6 ቫት ሓዊሱ ከመልእ አለዎ

7 ተጫረቲ ምልካታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ ዕ/ፋ/ን/ም/ር ብምዉሳድ ብክልተ ዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጀናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፁን የእቱ

8 ናይቲ ጨረታ መክበሪ ንፅሕፈት መሳርሒን ፅሬትን ኣቁሑትን ሎት 1 3000 ብር / ሰለስተ ሽሕ ብር / ንኤሌክትሪክን ሎት 2 3000 ብር / ሰለስተ ሽሕ ብር ንህንፃ መሳርሒ ንሎት 3 በብዘርፍኩም 6000 ብር / ሽድሽት ሽሕ ብር / ንኮምፒተራት ሎት 4 3000 ብር CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል

9 እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ዕለት 22/05/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ክፈቲ ኮይኑ ይፀንሕ

10 እተ እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ዕለት 22/05/2010 ዓም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕሸግ

11 ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ ዕ/ፋ/ን/ም/ር ዕለት 22/05/2010 ዓም ሰዓት 8:45 ተጫታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣበ ዝተረከበሉ ኣብ ዘይተረከበሉ እዉን እቲ ናይ ጨረታ ፖስታ ከም ዝክፈት

12 ዘሸነፎ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጓዓዓዚ ኾነ መፅዓንን መራገፍን ባዕሉ ይሽፍን ናብዓ/ዓዲ ቴክኒክን ሙያን ኮሎጅ የርክብ

13 ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሺንፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲታት ዉዕል ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ተከታተልቲ መዓልተ ንብረት የቅርብ

14 ብዉዕሉ መሰረት ብእዋኑ ነዘይኣቅረበ ኣቁሑት በቲ ጨረታ መምርሒ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቅፃዕ

15 ዝኮነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ አብቲ ዝወሰደ ዝተዳለወ ባዶ ሰነድ ጨረታ ብትክክል ኣቀሚጡ ክመልእ አለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቅርብ እቲ ትካል ኣይቅበሎን ዉድቂ ይኸዉን

16 ካብ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ኣይፍቀድን