- ተወሳኺ እሴት /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኾነ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ/ም ወርሓዊ ድክለር ዝገብረን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን
- ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን
- ናይ መቅረባይነትን ግልጋሎት ወሃባይነትን ፈቃድ ዘለዎን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን
- ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ/TIN Number/ ዘለዎምን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን
- ጨረታ መኽበሪ ንዝዕደጉ ዓይነት ንብረታት ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 75 ቅርሺ :ንደረቅ ረሸን 50000 /ሓምሳ ሽሕ ቅርሺ/ ንኣቅሑት ቴሌብዥንን ዲሽን 20,000.00 ቅርሺ : ንፍርናሽ 75 ቅርሺ ከምእዉን ንካልሲ ከትሕዝዎ ዝግባእ 10,000.00 ቅርሺ ምስ ሰነድ ጨረታ ኣብ ፖስታ ዓሺጎም አታሒሒዞም ከቅርቡ አለዎም
- ተወዳደረቲ ንዝሸነፍዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 6ተ መዓልቲ ዉዕል ኣሲሮም ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክቕርቡ ዝኽእል
- ተወዳደረቲ ነንሕድሕድ ሰነድ 50 ብር ብምክፋል ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተም ፊርማን ሙሉእ ኣ/ሻ ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፁ ዝኽእሉ
- ካብ ዕለት 24/4/2010 ዓ/ም ክሳብ 9/5/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ቀትሪ አብ ዘሎ ግዜ ኣብ መ/ቤትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ዝኽእሉ ኾይኖም አብቲ ዕለት ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ አብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት
- ኣብ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝተመልአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንዓሉ ሐደ ወርሒ 30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንዕ
- ኮሚሽና ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኮይኑ ብተወሳኪ ዉን 20 % ናይ ምዉሳክ ምቅናስን ከምዝክእል እዩ
- ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344406577 ወይ ድማ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 208 ምሕታት ይክእሉ