ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕ ማይ ትግራይ

1 ንቤት ዕዩ ኦዲት ንምግባር ዘክእል ብርኪ 1 ወይ 2 ወረቀት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያ ዘለዎም

2 ናይ 2010 ወረቀት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያን ዝተሐደሰ ምዝገባ ንግዲ ተወሳኬ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ንዝኮኑን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብርን ካልኦት ንጨረታ ዝጠቅሙ መረዳእታ ምስ ዋና ዝተገናዘበ ቅዳሕ ከቅር ዝክእል

3 ተወዳደርቲ 4000 ቅርሺ መከበሪ ጨረታ ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ባንኪ ዉሕስና ንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከትሕዙ አለዎም

4 ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ መስፍን ኢንዳስትሪ ኢንጅነሪንግ ምካኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን መወዳደሪ ቅጥዕታት ብዝግባእ ብምምላእ ደጋፊ መረዳእታ ምስ ዋና ብምግንዛብ ፋይናንሻል ማለት እዉን ዋጋ መወዳደሪ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካል ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብጠቅላላ ኣብ ኣርባዕተ ፖስታ ብዝግባእ ተኣሺጉ ኣብ ነብሰ ወከፍ ፖስታ ድማ ናይቲ ተጫረቲ ሽም ኣድራሻ ፊርማ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ተፃሒፍሉ ማሕተምን ፊርማን ዓሪፍዎን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ኣዳራሽ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክእትዉ አለዎም

6 ሰነድ ጨረታ ኣብ ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቍፅሪ 1 እዚ ምልክታ ብድምፂ ወያነ ትግራይ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ ኩሉ ግዝ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘቅርቡሉ መዓልቲ እዚ ምልክታ ብድምፂ ወያነ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 16 መዓልቲ እቲ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ መበል 16 መዓልቲ ንገሆ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም እቲ ቤት ዕዩ ሰነድ ጨረታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 እቲ ቤት ዕዩ ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344407761